ጀርመን ብሓይሊ ሃይድሮጅን እትሰርሕ ባቡር ኣብ 2021 ዓመተ ፈረንጂ ንኣገልግሎት ክተውዕል እያ።

02/03/2010 ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ጀርመን ዘለው ሰባት ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት በታ ቅልጥፍቲ እሞ ድማ ፈላመይቲ ብሓይሊ ሃይድሮጅን እትሰርሕ ባቡር ክጓዓዙ እዮም።

እዛ ብሓይሊ ሃይድሮጅን እትሰርሕ ቅልጥፍቲ ባቡር ካብ ታሕሳስ 2021 ዓመተ ፈረንጂ ጀሚራ ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ጀርመን ንኣገልግሎት ክትውዕል እያ ተባሂሉ ኣሎ።

እዛ ብጣዕሚ ዝቐልጠፈት እያ ዝተብሃለት ባቡር ክሳብ ሓደ ሽሕ ኪሎ ሜትሮ ክትጉዓዝ እትኽእል እንንኮን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት 140 ኪሎ ሜትሮ ክትጉዓዝ ከም እትኽእል ውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ብተወሳኺ እዛ ብሓይሊ ሃይድሮጅን እትሰርሕ ቅልጥፍቲ ባቡር ምድሪ ካብ ብኽለት ኣየር ዝፅሀት ከም ዝኾነት እያ ተገሊፁ። መንግስቲ ጀርመን ድማ እዚ ፕሮጀክት ንምስፍሕፋሕ ትልሚ ከም ዘለዎ ገሊፁ ኣሎ።

ፍልፍል ሓበሬታ cgtn.com