ኣልጀሪያ ቑጠበኣ ክተነቓቕሕ ተዳልያ…

መቐለ ጥቅምቲ 09/2010(ድወት) መንግስቲ ኣልጀሪያ ኣብታ ሃገር ርኡይ ቑጠባዊ ለውጢ ንምምዝጋብ 40ቢልዮን ዶላር ንምምዳብ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

ቐዳማይ ሚኒስቴር ኣልጀሪያ ኣሕመድ ኦያህያ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ 2018 ክምድቦ ዝሓሰበ 40ቢልዮን ዶላር ካብ 2017 ብዓሰርተ ቢልዮን ከምዝበልፅ ገሊፆም።

እቶም ቐዳማይ ሚኒስቴር ኣብ መኽፈቲ መደረ ፎረም ሰራሕተኛታት ኣልጀሪያ ከምዝበልዎ እዚ በጀት ዓውደ ሕርሻ ሓዊሱ ፍርያታት ውሽጢ ዓዲ ንምትብባዕ ዝዓለመ እዩ።

ብተወሳኺ እውን መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ዓበይቲ ኢንቨስትመንታት ፈንድ ከምዝገብርን ንኹሎም ዓይነታት ኢንቨስትመንት ብትሑት ወለድ ልቓሕ ከምዝህብን ገሊፆም።

እዚ ከምዚ እናሃለወ መንግስቲ እታ ሃገር ካብ ወፃኢ ዘእትዎም ፍርያታት መጠኖም ብምንካይ ዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ ንምዕባይ ከምዝዓለመ ሓቢሩ።

ኢንቨስተራት እታ ዓዲ እውን ብወገኖም ኣብ ዓውዲ ሕርሻን ማኒፋክቸሪንግን እታ ሃገር ኢንቨስት ብምግባር ኣስተዋፀኦኦም ከበርክቱ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።