ኣብ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ሰለሙን ገብረፃድቕ ስነ-ስርዓት ቐብሩ ተፈፂሙ።

መቐለ ጥቅምቲ 06/2010(ድወት) ኣብ ስፖርት ከተማ ዓዲግራትን ክልልናን ብፍላይ ድማ ኣብ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ዝለዓለ ግደ ዝተፃወተ ነበር ተፃዋታይ ኩዕሶ እግርን ቴክኒካል ዳይሬክተር ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራትን ሰለሙን ገብረፃድቕ ትማሊ ሰንበት ስድራቤቱ ፈተውቱ መፍቀርቲ ስፖርት ኣብዝተረኸብሉ ንጉሆ ስዓት ኽልተ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ኣብ ጎልጎልታ መድሃኒ ኣለም ቤተክርስትያን ስነ-ስርዓት ቐብሩ ተፈፂሙ።

ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ተወከልቲ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ክልልና ተወከልቲ ጋንታ ደደቢትን ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ክልልናን ሃገርናን ስድራቤቱ ፈተውቱ ኣባላት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ደገፍቲ እታ ጋንታ ነበርቲ ከተማ ዓዲግራትን ከባቢኣን ሓዊስካ ብሓፈሻ ብርክት ዝበሉ ኣካላት ኣብዝተረኸብሉ ስነ-ስርዓት ቐብሪ ሰለሙን ገብረፃድቕ ኣብቲ ዕለት ትካላት ውልቀ ሰባትን ናይ ክብሪ ሕቑፊ ዕንበባ ብኽብሪ ኣቐሚጦም እዮም።

ካብ ወላዲ ኣብኡ ገብረፃድቕ ገብሩ ካብ ወላዲት ኣዲኡ ወይዘሮ ሃረጉ ሓጐስ 5 ሰነ 1955ዓ.ም ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉሎመኸዳ ከተማ ዛላምበሳ ዝተወለደ ሰለሙን ገብረፃድቕ ኣብ 1970ታት ኣብ ኩዕሶ እግሪ ንጋንታታት ግብርና፣ ከፍተኛ ሁለት፣ ንዓጋመ፣ በቲ ሽዑ ንዝነበረ ክፍለ ሃገር ትግራይን ተፃዊቱ እዩ።

ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ኣብ 2004ዓ.ም ናብ ላዕለዋይ ሊግ ኢትዮጵያ ክትሓልፍ ከላ ብላዕለዋይ ዝመርሓ ሰለሙን ገብረፃድቕ ካብዚ ብተወሳኺ ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ናብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ንክትኣትዉ ትልሚ ሓንፂፁ ምስ ህዝቡን መንግስቱን ብምዃን ተግባራዊ ዝገበረ ብሓፈሻ ኣብ ስፖርት ከተማ ዓዲግራትን ክልልናን ዓብይ ግደ ተፃዊቱ እዩ።

ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ መበል 55 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለየ ሰለሙን ገብረፃድቕ በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ቖልዑን ነይሩ።

ስፖርት ድምፂ ወያነ ትግራይ ሕዚ’ውን ደጊሙ ንስድራ ቤቱ ፈተውቱ ኣዕርኽቱ ንኣባላት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ከምኡ’ውን ንደገፍቲ እታ ጋንታ ምፅንዕናዕ ተመንዩ።