መስመር መንገዲ ባቡር ኢትዮ-ጁቡቲ ዕላዊ ስርሑ መፃኢ ወርሒ ክጅምር እዩ…

መቐለ ጥቅምቲ 03/2010(ድወት) ዝርገሐ መስመር ባቡር ኢትዮ-ጁቡቲ ዝህቦ ዕላዊ ኣገልግሎት ካብዝመፅእ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ከምዝጅምር ኮርፖሬሽን ምድሪ ባቡር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ንተሓዳሲ ሓይሊ ልዑል ትኹረት ብምግባር ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሰርሕ መስመር ባቡር ኢትዮ-ጁቡቲ ዕላዊ ስራሕቲ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ንምጅማር ዘኽእሎ ምድላው ዝወገነ ኾይኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ፈተነ ከምዝገበረ ይፍለጥ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ጥቅምቲ 2017ዓ.ም ፈረንጂ ዕላዊ ንግዳዊ ኣገልግሎት ክጅምር ተሊሙ ዝነበረ እቲ መስመር ባቡር ሐዚ ግና ድሕሪ ሓደ ወርሒ 8 ሕዳር 2017ዓ.ም ፈረንጂ ንምጅማር እቲ ዘቐመጦ ግዜ ከምዘናውሐ ተሓቢሩ።

ኣብ መንጐ ኽልቲኤን ሃገራት ዘሎ ርክብ ቑጠባን መሰረተ-ልምዓትን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ካብ ምስግጋር ብተወሳኺ ቑጠባውን ንግዳውን ምትእስሳር ሃገራት ብመርኣያነቱ ዝፅራሕ እቲ መስመር ባቡር ብፍላይ ሓደሽቲ ማኒፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ንምግፋሕ እውን ዝለዓለ ግደ ዘለዎ እዩ።

16 መዕረፊ ናቑጣታት/ስቴሽንስ/ ዘለዉዎ እቲ መንገዲ ባቡር ነዊሕ ርሕቐት መንገዲ ኽልቲኤን ሃገራት ንምርካብ ናብ ትሕቲ 10 ስዓታት ዘውርድ እዩ።

ኢትዮጵያ ክሳብ 2020ዓ.ም ፈረንጂ ኣብ ዘለዉ ዓመታት ሓደሽቲ 5ሽሕ ኪሎ ሜትሮ መስመር መንገዲ ባቡር ንምህናፅ ዓሊማ ትሰርሕ ዘላ ሃገር እያ ክብል ድረ-ገፅ ኣፍሪካ ኒውስ ፀብፂቡ።