ታንዛንያ ንመሸጣ መዓድን ጨረታ ክተውፅእ እያ…

መቐለ ጥቅምቲ 03/2010(ድወት) ታንዛንያ ሚሬራን ኣብ ዝተብሃለ መዓድን ዝወፀሉ ቦታ ጨረታ መሸጣ ዕንቁታት ንምክያድ ከምዝዓለመትን እዚ ድማ እታ ሃገር ካብ ተፈጥሮኣዊ ሃፍታ ተጠቃሚት ክትኾን ከምዘኽእላ ተገሊፁ።

ሓጋዚ ኮሚሽነር መዓድን ታንዛንያ ጐድሌደር ሾሁ እዚ ጨረታ ዝተኻየደ ደቀቕትን ኣናእሽተይን መውፃእቲ መዓድን ብተወዳዳሪ ዋጋ ምህርቶም ክሸጡ ንምሕጋዝ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኹሎም ዓደግቲ ውሽጢ ዓድን ወፃኢ ኣብቲ ጨረታ ክሳተፉ ከምዝኽእሉ እውን ተገሊፁ።

ወኪል ምክልኻልን ድሕንነትን ኮርፖሬሽን ምውፃእ መዓድን ታንዛንያ፣ ልምዓት እቶትን፣ ቤት ምኽሪ ግዝኣት ኪማንጀርን ፍትሓውነት እቲ ጨረታ ንምክትታል ኣብቲ ቦታ ከምዝርከቡ ተሓቢሩ።

ፕረዝደንት እታ ሃገር ጆን ማጉፋሊ ብወገኖም እቲ ጨረታ ድሕንነቱ ብዝተሓለወ መንገዲ ንክሳለጥ ኣብቲ ጨረታ ዝካየደሉ ከባቢ መንደቅ ንክሃንፁ ንወታሃደራት እታ ሃገር ከምዝኣዘዙ እውን ተገሊፁ።