ኢትዮጵያ ኣዶመንበር ተፋሰስ ሃገራት ናይል ኮይና…

መቐለ ጥቅምቲ 03/2010(ድወት) ኢትዮጵያ ኣዶ መንበር ኣባል ተፋሰስ ሃገራት ናይል ኮይና።

ኢትዮጵያ ንዝቕፅል ሓደ ዓመት ኣዶ መንበር ኢኒሼቲቭ ተፋሰስ ሃገራት ናይል ኮይና ክትመርሕ ተመሪፃ ኣላ።

ኣብ ኡጋንዳ ኢንተቤ ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ኣኼባ፤መሪሕነት ኣዶ መንበርነት ካብ ኡጋንዳ ዝተረከበት ኢትዮጵያ፤ ናይቲ ኢንሼቲቭ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራትን፤ኣማኻሪ ኮሚቴ ቴክንክን ክትመርሕ እያ።

ኣብቲ ኣኼባ ንኢትዮጵያ ላዕለዎት ሰብ መዚ ቡሩንዲ፣ኡጋንዳ፣ሱዳን፣ኬኒያ፣ ሩዋንዳን ታንዛኒያን ከምኡ እውን ሚኒስትራት ሃፍቲ ማይን ተረኺቦም እዮም።

ሚኒስትር ማይ መስኖን ኤለክትሪክን ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ናይ መሪሕነት መዚ ካብ ኡጋንዳዊ መዘንኦም ሳም ቻፕቶሪስ ተረኪቦም እዮም።

ኣብቲ ኢኒሼቲቭ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት፤ፖለቲካዊን ልምዓታዊ ጉዳያት ናይል ዝመርሕ ኣካል እዩ።

ኮሚቴ ኣማኻሪ ጉዳያት ቴክኒክ እቲ ኢኒሼቲቭ ንሓደ መዓልቲ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ድማ ግብፂ ኣብቲ ማእቀፍ ዘለዋ ተሳትፎን ድጋፍን ንክተሐይል ውፅኢታዊ ዘተ ከም ዘካየደ ተሓቢሩ።

ቤት ምክሪ ሚኒስትራት እቲ ኢኒሼቲቭ ስትራተጂክ ትልሚ 10 ዓመታት ዘፅደቐ ኮይኑ፤ምዕባይ ሓይሊ ልምዓትን ንግዲን፤ምርግጋፅ ውሕስና መግቢ፤ኣብ ኣባል ተፋሰስ ሃገራት ዘሎ ሓለዋ ስነ ኸባቢ፤ ዓበይቲ ኣጀንዳታት እቲ ትልሚ ገይሩ ከም ዝወስዶም ድማ ተገሊፁ።

መሪሕነት ኣባል ተፋሰስ ሃገራት ናይል፤እተን ኣባላት በቢ ዓመቱ እናተባረያ ዝመርሐኦ ምዃኑ ይፍለጥ።