ፓሪስ ብነዳዲ ዝሰርሓ መካይን ምጥቃም ትንኪ ኣላ…

መቐለ ጥቅምቲ 03/2010(ድወት) ፓሪስ ኣብ 2024 ዓመተ ፈረንጂ ብነዳዲ ዝሰርሓ መካይን ምጥቃም ደው ከምተብል ገሊፃ።

ከንቲባ ከተማ ፓሪስ ኣነ ሂዳልጎ ፓሪስ ንለውጢ ኩነታት ዝፃብኡ ተግባራት ንምንካይ፤ክሳብ 2040 ዓመተ ፈረንጂ ተታሒዙ ዘሎ ትልሚ ንምዕዋት ከም ትሰርሕ ገሊፆን።

ናይዚ ኣካል ዝኾነ ድማ ንዝቕፅሉ 7 ዓመታት ፓሪስ፤ብነዳዲ ዝሰርሓ መካይን ካብ ዕዳጋ ወፃኢ ከም ትገብረን ገሊፃ ኣላ።

ኣብታ ከተማ ነዳዲ ተጠቒመን ዝሰርሓ ተሽከርከረቲ ካብ ምንካይ ብተወሳኺ፤ናይ እግረኛ መንገዲታት ምችዋት ክኾኑ፤ህዝቢ ሓበራዊ መጓዓዝያ ክጥቀምን፤ብሽክሊታ ከም ሓደ መማረፂ ክወስድን ዘተባብዕ ሕጊ ከም እተውፅ እውን እተን ከንቲባ ሓቢረን።

እቲ ብፓሪስ ወፂኡ ዘሎ መበገሲ ሓሳብ ብማእኸላይ መንግስቲ ተቐባልነት ከም ዘለዎ እውን ፕሬዝደንት ማኑኤል ማክሮን ሓቢሮም እዮም።

ብድሕሪ 2024 ዓመተ ፈረንጂ ድማ ፓሪስ ብሓይሊ ኤሌክትሪክን ካልኦት ተሓዳሲ ሓይልን ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ክትጥቀም ሃገራዊ ትልሚ ከም ዘለዋ ገሊፆም እዮም እቶም ፕሬዝደንት።
ፓሪስ ኣብ 2024 ዓመተ ፈረንጂ ኦሎምፒክ ክተተኣናግድ ምምራፃ ዝዝከር እዩ።