ሃገራት ሞሮኮን ሩስያን ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓውድታት ተሰማዕሚዐን…

መቐለ ጥቅምቲ 03/2010(ድወት) ሃገራት ሞሮኮን ሩስያን ኣብ ዓውድታት ሓይሊ፣ ወታሃደራውን ስልጠናን ኻልኦትን ሓበራዊ ስምምዕነት ተፈራሪመን።

ኽልቲኤን ሃገራት ነዚ ስምምዕነት ዝተፈራረማ ቐዳማይ ሚኒስትር ሩስያ ዴመትሪ መድቨዴቭ ኣብ ሰሜን ኣፍሪካዊት ሃገር ሞሮኮ ዑደት ኣብዘካየድሉ እዋን እዩ።

ዝሓለፈ ሮቡዕ ምስ ቐዳማይ ሚኒስትር ሞሮኮ ሳደዲን ኢል ኦቶማኒ ዝተራኸቡ ቐዳማይ ሚኒስትር ሩስያ ዴመትሪ መድቨዴቭ 11 ኽልቲኣዊ ስምምዓት ከምዝተፈራረሙ ተገሊፁ።

እቶም ስምምዕነት ብፍላይ ኣብ ዓውድታት ሓይሊ፣ ወታሃደራዊ ስልጠና ሕርሻ፣ ባህሊ ሓዊሱ ኣብ ጉዳያት ሰላምን ፀጥታን ከምዘጠቓልል ተሓቢሩ።

ቐዳማይ ሚኒስትር ሩስያ ዴመትሪ መድቨዴቭ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሃፍቲ ሩስያ ሒዞም ዘካየድዎ ዑደት ርክብ ኽልቲኤን ሃገራት ዘጠናኽር እዩ ክብል ኣፍሪካ ኒውስ ፀብፂቡ።

እቲ ድረ-ገፅ ከምዘመላኽት ንግዳዊ ልውውጥ ራባትን ሞስኮን ኣብ 2015ዓ.ም ፈረንጂ ልዕሊ 225ሚልዮን ዩሮ ዝበፅሐ ኮይኑ ሚዛን ንግዲ እተን ሃገራት ግና ናብ ሩስያ ዘዘምበለ እዩ።