ትካል ስደተኛታት ዘህነፃ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ

መቐለ ጥቅምቲ 03/2010(ድወት) ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ትካላት ብዝመደብዎ ልዕሊ 15 ሚልዮን ቅርሺ በጀት ኣብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ዝተሃነፀ ሓፈሓዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ፡፡

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ መምህር መረሳ ኣብርሃ ከምዝገለፅዎ እቲ ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት UNHCR ዝርከቡ ዓለምለኻዊ ትካላት ብዝመደብዎ በጀት ኣብ ከተማ ሕፃፅ ዝተሃነፁ ቤት ትምህርቲ እታ ወረዳ ናብ 6 ዘዕቢ’ዩ፡፡

እቲ ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ 8 ክፍልታት መምህሪ፣4 ክፍልታት ምምሕዳር፣2 ክፍልታት ቤተ-ንባብን ቤተ-ፈተነን፣ስፓርታዊ ሜዳ፣ፆታ ዝፈለዩ ሽቓቓትን መቐመጢ ጀነሪተርን ዝሓዘ ከምዝኾነ መምህር መረሳ ሓቢሮም፡፡

እቲ ቤት ትምህርቲ ዘድሊ ሓይሊ ሰብን ውሽጣዊ ናውትን ተማሊእሉ ኣብዚ ሓድሽ ዘነበ ትምህርቲ ግልጋሎት ምሃብ ብምጅማሩ ካብ 6 ኣብያተ ትምህርቲ ንዝመፁ ልዕሊ 400 ተምሃሮ 9ይ ክፍሊ ተቐቢሉ የተኣናግድ ምህላው እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም፡፡