ኢትዮጵያ ንኢንቨስትመንት ተመራፂት ሃገር ተባሂላ

መቐለ ጥቅምቲ 03/2010(ድወት) ኢትዮጵያ መስሕባት ኢንቨስትመንት ካብ ዝበሃላ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ 4ይ ከምዝተቀመጠት ተገሊፁ፡፡

ዘ ኢስት ኣፍሪካ ሞኒተር ዝተብሃለ ድረ-ገፅ ከምዝገለፆ፣ኢትዮጵያ ብእተመዝግቦ ዘላ ስሉጥ ዕቤት ፓሊሲ ኢንቨስትመንት፣ሰፊሕ ዕዳጋን ሓይሊ ሰብን ትኩረት ሰብ ሃብቲ ትስሕብ ሃገር ኮይና’ላ፡፡

Where to invest in Africa 2018 ዝብል ርእሲ ዝሓዘ ራንድመርቻንት ባንክ ዝተብሃለ ትካል ዘሕተሞ ፅሑፍ ከምዘመልክቶ ግብፂ 1ይ መስሕብ ኢንቨስትመንት ኣፍሪካ እንትትከውን፣ደቡብ ኣፍሪካ 2ይ ደረጃ ሒዛ’ላ፡፡

ሞሮኮ፣ኢትዮጵያ፣ጋና፣ኬንያ፣ታንዛንያ፣ሩዋንዳ፣ቱኒዝያን ኮትዲቭዋርን ድማ ብቅደም ሰዓብ ክሳብ 10ይ ደረጃ ተቀሚጠን ኣለዋ፡፡

ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ ኢትዮጵያ ተመዝግቦ ዘላ ዕቤት ንሃገራት ጋናን ኬንያን በሊፃ ኣብ 4ይ ደረጃ ክትቅመጥ ኣክኢልዋ’ዩ ኢሉ እቲ መፅናዕቲ፡፡