ሴናተራት ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዶም

መቐለ ጥቅምቲ 03/2010(ድወት) ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ክብ ንምባል ምስ ኣብያተ ምክሪ ኣሜሪካ ዘሎ ምትእስሳር ክጠናከር ከምዝግባእ ተገሊፁ፡፡

1ይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ንኣባላት ስኔትን ኮንግረስን ኣሜሪካ ተቐቢሎም ኣብ ጉዳያት ሰላምን ፀጥታን ዝዘተዩ እንትኾን ኣብቲ ዘተ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቐ መኮነን፣ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፣ኣፈጉባኤ ኣባዱላ ገመዳን ርእሳነ ምምሕዳር ኩለን ክልላትን ተሳቲፎም’ዮም፡፡

ከምሓበሬታ ዶክተር ወርቅነህ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኣብ ብዙሓት ዓውድታት ተሓባቢረን ዝሰርሓ ሃገራት እንትኮና ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘጋጥም ዓለምለኸ ሽብርተኝነት ንምቅላስ ዝሰርሖ ስራሕቲ ተጠቃሲ’ዩ፡፡

እዞም ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፏ ሴናተራት ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ኣፀቢቖም ዝፈልጥዋ ዝፈትዋን ኩነታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝግባእ ዝተረድኡን ብምኳኖም፣ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ከጠናክሩ ከምዘይፅገሙ ሓቢሮም፡፡

ተወሳኪ ኣባላት ስኔት ሰናተር ጀምስ ኢንሆፍ ብወገኖም ንዝሓለፏ 23 ዓመታት ሓፈሻዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ክከታተሉ ከምዝፀንሑን ብሓፈሻ ፈታዊ ኢትዮጵያ ምኳኖም ሓቢሮም፡፡

ኢትዮጵያ ዝነኣድ ለውጢ ተመዝግብ ከምዘላ ከምዝተዓዘቡን ጠንካራ መሓዛ ኣሜሪካ ከምዝኾነትን ሓቢሮም፡፡

ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ብምንፃር ዝሓሸ ቁጠባዊ ዕቤት ተመዝግብ ዘላ ሃገር’ያ ኢሎም፡፡