ኣሜሪካን እስራኤልን ካብ ዩኔስኮ ክንወፅእ ኢለን

መቐለ ጥቅምቲ 03/2010(ድወት) ኣሜሪካ ካብ ኣባልነት ትካል ሳይንስ፣ባህልን ትምህርትን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓርሳ ከምተግልል ኣፍሊጣ፡፡

እስራኤል’ውን ውሳነ ኣሜሪካ ግቡእን ንእሰራኤ’ውን ካብ ኣባልነት ክትወፅእ ሓቦ ዝፈጠረላን ምኳኑ ገሊፃ፡፡

ትካል ሳይንስ ባህልን ትምህርትን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዩኔስኮ ኣብ ጉዳይ እስራኤል ዝተዛብዐ ኣተሓሕዛ’ዩ ዘለዎ ኣሰራርሕኡ ከመሓይሽ ኣለዎ ምክንያት ሒዛ’ያ ካብቲ ትካል ዓርሳ ከምተግልል ኣፍሊጣ፡፡

ኣብ 2011ዓ.ም.ፈ ዩኔስኮ ንፍልስጤም ኣባል ጌራ ምቅባሉ ንኣሜሪካ ከምዘቖጥዓ ይዝከር ምክንያቱ በቀፃሊ ነፃ ፍልስጤም ክትህሉ ትደሊ ዋላ ተኮነት ኣብ መንጎ ፍልስጤምን እስራኤልን ዘካየድ ዘተሰላም ውፅኢታዊ ክኸውን ንዝግበር ፃዕሪ ግን ዩኔስኮ ዋጋ ኣይሃቦን ትብል ኣሜሪካ፡፡

እስራኤል’ውን ኣብ ግዝኣታት እስራኤልን ፍልስጤምን ዝርከቡ ሓድግታት ኣብ ምምዝጋብ ብክብርታት እስራኤል ኣብ ግምት ዘየእተወ ምንቅስቃስ ይገብር’ሎ ብምባል ዩኔስኮ ክትከስስ ፀኒሓ’ያ፡፡

ሐዚ ድማ ብኣሜሪካን እስራኤልን ተቀባልነት ዘይረኸባ ሕፁይ ኳታር መሪሕነት ዩኔስኮ ክጭብጥ ይነሓናሕ ኣሎ፡፡

ከምውፅኢቱ ድማ ኣሜሪካ ካብ ፈለማ 2018 ቀጥታዊ ኣባልነታ ከምተቋርፅ እንትትገልፅ እስራኤል’ውን ካብ ኣባልነት ንምውፃእ ምድላው ክትገብር ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣተሓሳሲቦም፡፡