ካብ ምህርቲ መዓር ዝርከብ ረብሓ ንምዕባይ ክስራሕ እዩ…

መቐለ መስከረም 02/2010(ድወት) ኢትዮጵያ ካብ ምርባሕ ንህቢ ካብ ትረኽቦ ምህርቲ ተጠቃምነታ ንምዕባይ ሰብ ሃፍትን መናእሰይን ናብቲ ዓውደ ንኽኣትዉ ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ ሚኒስቴር ኢንዳስትሪ።

ኢትዮጵያ ብበዝሒ ዕስለ ንህቢ ካብ ኣፍሪካ ቐዳመይቲ እንትኾን ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣስታት 10ሚልዮን ዕስለ ንህቢ ከምዘለዎ መረዳእታታት የመላኽቱ።

ይኹን’ምበር ኣብ ስራሕቲ ምርባሕ ንህቢ ብዘሎ ትሑት ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጅን ኻልኦትን ኢትዮጵያ ካብ ምርባሕ ንህቢ ካብ እተረኽቦ ምህርቲ ቑጠባዊ ተጠቃምነታ ክንድቲ ዝድለ ከምዘይኾነ እቲ ሚኒስቴር ይገልፅ።

ብተወሳኺ’ውን ፀገም ኣተሓሕዛን ዘመናዊ ስርዓት ከምኡ’ውን ኣብ ውፅኢታት ንህቢ ክብሪ ኣብ ምውሳኽን ስራሕቲ ምእሻግ ዘሎ ውሳንነት ዓቕሚ ኻልእ ምኽንያት ምውሓድ ተጠቃምነት እቲ ዓውዲ እዮም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት 500ሽሕ ቶን መዓር ምፍራይ ዘኽእል ዓቕሚ ዘለዋ እንትኾን ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ትሕቲ 10ሚኢታዊ መዓር ኣብ ምፍራይ ትርከብ።

በዚ ድማ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 444 ቶን መዓር ብምፍራይ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ብምቅራብ 1.4ሚልዮን ዶላር ጥራሕ ከምዝረኸበት ተሓቢሩ።

ካብ ንህቢ ዝርከብ ምህርቲ ንምዕባይን ፅርየቱ ዝሓለወ ንክኸውን ክብሪ ዘለዎ መዓር ናብ ዕዳጋ ንምቅራብ መሃዝቲ ስራሕ መናእሰይን ሰብ ሃፍትን ኣብቲ ዓውደ ብስፍሓት ንክሳተፉ ይስራሕ ከምዘሎ ድማ ሚኒስትር ዲኤታ እቲ ሚኒስቴር ዶክተር መብራህቱ መለስ ገሊፆም።

እዚ ትልሚ ንምዕዋት ድማ መንግስቲ ካብ ዝመደቦ 10ሚልዮን ቅርሺ ተዘዋዋሪ ፈንድ ኣብቲ ዓውዲ ክዋፈሩ ንዝደልዮ መናእሰይ ተጠቀምቲ ንክኾኑ ይስራሕ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

ብኻልእ ወገን እቲ ምህርቲ ክብሪ ተወሲኽዎ ናብ ዕዳጋ ከቅርቡ ዝኽእሉ ሓደሽቲ ሰብ ሃፍቲ ብምስሓብ ኣበ ውሽጢ ፓርክታት ኢንዳስትሪ ተሳተፍቲ ክኾኑ ይስራሕ ኣሎ።

ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮምያን ደቡብን ኣብ ዝተሓረዩ ኣርባዕተ ቦታታት ህንፀት መሰረተ-ልምዓት እቶም ፓርክታት ከምዝተጀመረ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብ ቐፃሊ’ውን ኣብ 17 ቐጠናታት ህንፀት ዝተዋደዱ ፓርክታት ኢንዳስትሪ ከምዝካየድ ኣመልኪቶም።