ግብፂ ጥንታዊ መተዓዳደጊ ገንዘብ ቻይና መሊሳ ኣረኪባ

መቐለ መስከረም 02/2010(ድወት) ግብፂ ንፈለማ እዋን 13 ጥንታዊ መተዓዳደጊ ገንዘብ ቻይና ዝኾኑ ቅርሺ ንቻይና መሊሳ።

እዚኦም ቻይና ኣብ መበል 19ክፍለ ዘመን ትጥቀመሎም ዝነበረት ቅርሺ ባንክን ቦንድን ዝርከቡዎም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ግብፂ ዝኣተው’ዮም።

ሚኒስቴር ሓለዋ ግብፂ ኣብ ቤተ መዘክር ግብፂ ተቐሚጦም ዝነበሩ ሳናቲም፣ ቅርሺ ባንክን ቦንድን ቻይና ኣብ ካይሮ ንዝርከብ ኤምባሲ ቻይና ከምዘረከበ ኣል ዓረቢያ ዝተብሃለ ድረ ገፅ እታ ሃገር ገሊፁ።

እዚኦም ጥንታዊ ስርወ መንግስቲ ቻይና ኵንግ ዝነበሮ ኹነታት ቑጠባ ንምፅናዕ ዝሕግዙ ሓድግታት ቻይና ኾይኖም ከምዝቕመጡ ድማ ተሓቢሩ።

ግብፅን ቻይናን ኣብ 2010ዓ.ም.ፈረንጂ ዘይሕጋዊ ንግዲ ታሪካዊ ሓድግታት ብሓባር ንምክልኻል፣ ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ እንትረኽባ ድማ ኣሕሊፈን ንምሃብ ብሓባር ንምስራሕ ተሰማሚዐን ነይረን።

ትካል ትምህርቲ፣ ባህልን ሳይንስን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዝገልፆ ቻይና ብምኽንያት ኵናት፣ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ወራር ሃገራት ወፃእን ብርክት ዝበሉ ባህላዊ ቅርፅታታ ስኢና እያ።

17ሚሊዮን ባህላዊ ሓድግታት ቻይና ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣለው ተባሂሉ ዝእመን ኾይኑ 1ሚሊዮን ዝኾኑ ኣብ 200 ዝተፈላለዩ ቤተ መዘክራት 47 ሃገራት ይርከቡ፤ ከም ሓበሬታ ዩኔስኮ። (ሲ.ጂ.ቲ.ኤን)