ሰብ ሃፍቲ ሻንዶንግ መዋእለ ንዋዮም ከወፍሩ እዮም

መቐለ ጳጉሜን 03/2009(ድወት) ኣብ ግዝኣት ሻንዶንግ ቻይና ዝርከቡ ገዘፍቲ ኩባኒያታት ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ከምዘውፍሩ ምኽትል ኣመሓዳሪ ሻንዶንግ ዋንግ ሹዣን ገሊፆም።

ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ነቶም ኣመሓዳሪ ተቐቢሎም ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኣዘራሪቦም።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ሰፊሕ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ብርክት ዝበሉ ኩባኒያታት ቻይና ኣብ ዓውዲ ኢንቨስት ኢትዮጵያ ክወፍሩ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ ገሊፆም እቶም ኣመሓዳሪ።

ነቲ ዘተ ዝተኸታተሉ ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስ ምኽትል ኣመሓዳሪ ሻንዶንግ ዋንግ ሹዣን ኣብታ ግዝኣት ዝርከቡ ገዘፍቲ ኩባኒያታት ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ብምውፋር መገጣጠሚ መካይን ሓዊሱ ኣብ ህንፀት ገዘፍቲ ኢንዳስትርታት ምውፋር ድሌት ከምዘለዎም ኣመልኪቶም ኢሎም።

ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኖም ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ክገብሩ ዝደልዩ ኩባኒያታት ኣድላይ ሓገዝ ከምዝገበረሎም ገሊፆም ከም ሓበሬታ እቶም ኣምባሳደር።
ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ካብ ቐረባ ጊዜያት ናብዚ ናብ ሰፊሕ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ከምዝዓበየ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ የመልክት።