ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

መበል 1 ሽሕን 141 ዓመት በዓል ዒድ ኣልፈጥር 16 ጉንበት 2012 ዓ.ም ክኽበር እዩ

መቐለ 15 ግንቦት 2012(ድወት) መበል 1 ሽሕን 141 ዓመት በዓል ዒድ ኣልፈጥር (ሮመዳን) ፅባሕ ሰንበት ከምዝኽበር ጠቕላይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ጠቕላይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ከምዝገለፆ መበል 1ሽሕን 441 ዓመት በዓል ዒድ ኣልፈጥር ፅባሕ ሰንበት 16 ጉንበት 2012 ዓ/ም ክኽበር እዩ።

ሕብረተሰብ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣል ፈጥር እንተኽብር ድማ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ዝተርኣየሉ እዋን ብምዃኑ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ብዘየስፍሕፍሕ መልክዑን ጥንቃቐ ብዝተመልኦን ክኸውን ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ብምዃኑ ብምኽንያት እቲ በዓል ዝካየድ ዝነበረ ስነ ስርዓት ሶላት ዒድ ነብሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣብ ገዝኡ ከካይድ ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

እቲ በዓል እንትኽበር ድማ ንዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ብምክፋልን ሓድነት ብምጥንኻርን ክኸውን ከምዝግባእ ተገሊፁ።