ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኮሮና ኣብ መፍረያይነት ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ንምንካይ ይስራሕ ኣሎ

መቐለ 15 ግንቦት 2012(ድወት) ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ቫይርስ ከጋጥም ንዝኽእል ምንካይ ምህርቲ ሕርሻን መፍረያይነትን ንምክሕሓስ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ሚኒስቴር ሕርሻ።

ሚኒስቴር ሕርሻ ንኢዜኣ ከምዝሓበሮ ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ መደብ መፍረያይነት ዘመነ ትምህርቲ 2012/13 ዓ/ም ከጋጥም ዝኽእል ምንካይ ምህርቲ ንምክሕሓስ ይስራሕ ኣሎ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ሳኒ ረዲ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ፅዕንቶ ካብ ዘሕድረሎም ዓውድታት ሓደ ዓውዲ ሕርሻ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ብምዃኑ ብምኽንያት እቲ ለበዳ ከጋጥም ንዝኽእል ሕፅረት ቐረብ እታወታትን ቴክኖሎጅታትን ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ተነፂሮም ይስርሑ ኣለዉ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ቐንዲ ቐንዲ ዝራእቲ 379 ሚልዮን ኩንታል ምህርቲ ከም ዝተረኸበ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ሳኒ ኣብዚ ዓመት ግና ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብብርኪ ሃገር ኣብ ዓውደ ሕርሻ 8 ሚኢታዊ ምንካይ ከርኢ ከምዝኽእል ገሊፆም።

ነዚ ንምክሕሓስ ድማ 1 ነጥቢ 7 ሚልዮን ሄክታር ተወሳኺ መሬት ብዝተፈላለዩ ዝራእቲ ክሽፈን መደብ ኣሎ ኢሎም ከምፀብፃብ ኢዜኣ።