ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ ማእኸል ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኾይነን-ወድብ ጥዕና ዓለም

መቐለ 15 ግንቦት 2012(ድወት) ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ ኣብዚ ሐዚ እዋን ቐንዲ ማእኸል ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኾይነን ከምዘለዋ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ።

ኣብ ብራዚል ጥራሕ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 330 ሽሕ ከምዝበፅሐን በዚ ድማ ብራዚል ብብርኪ ዓለም ንኣሜሪካ ስዒባ በቲ ቫይረስ ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ካልኣይቲ ከም ዝኾነትን ኣልጀዚራ ገሊፁ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ ዓለም ለኻዊ ለበዳ ኮሮና ቫይረሰ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘስዕቦ ዘሎ ሓደጋ ኣብ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ ዝኸፍአ ኮይኑ ኣሎ።

ብራዚል ካብ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ በቲ ቫይረስ ምሒር ዝተጠቅዐት ሃገር ምዃና ዝገለፁ ውድብ ጥዕና ዓለም ብሩስያ ተታሒዙ ዝነበረ ኻልኣይ ብርኪ በዝሒ ተጠቃዕቲ እቲ ቫይረስ ሐዚ ልዕሊ 330 ሽሕ ሰባት ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ድማ ገሊፁ ኣሎ።