ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ልዕሊ 600ሚልዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ተረኺቡ -ሚኒስቴር ንግድን ኢንዳስትርን

መቐለ 14 ግንቦት 2012(ድወት) ኣብቶም ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ካብ ምህርትታት ሕርሻ ልዕሊ 600ሚልዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ንግድን ኢንዳስትርን ኣፍሊጡ።

ዳይረክተር ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ወንድሙ ፍላቴ ኣብቶም ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ እዚ ሒዝናዮ ዘለና በጀት ዓመት 690ሽሕን 840 ቶን ምህርቲ ሕርሻ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ብምቕራብ ልዕሊ 818.6 ሚልዮን ደላር ኣታዊ ንምርካብ ተተሊሙ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ይኹን እምበር ዛጊድ ልዕሊ 473.9ሚልዮን ቶን ምህርቲ ብምልኣኽ ልዕሊ 658.2ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ እዮም ኣይተ ወንድሙ ገሊፆም ዘለዉ።

ካብቶም ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ዝተልኣኹ ምህርትታት ሕርሻ እኽልታት ቅብኣት፣ ዕጣን ፣ጫትን ካልኦት ምህርትታትን ከምዝርከብዎም ፀብፃብ FBC ኣመልኪቱ።