ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኣሜሪካ ካብ ዓለም ለኸ ስምምዕ ቁፅፅር ብነፈርቲ ዝግበር ዝዉዉር ኣፅዋር ክወፅእ እየ ኢላ

መቐለ 14 ግንቦት 2012(ድወት) ኣሜሪካ ብነፈርቲ ዝግበር ዝዉዉር ኣፅዋር ካብ ዝቆፃፀር ዓለም ለኸ ስምምዕ ዓርሳ ክተግልል እያ ተባሂሉ።

ኣሜሪካ ካብቲ 35 ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቖፈ ኣፅዋር ኲናት ብነፈርቲ ከይጎዓዓዝ ዝቆፃፀር ስምምዕ ክትወፅእ ምዃና ካብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ዝወፁ መረዳእታታት አመላኺቶም ኣለዉ።

እቲ ስምም ኣባል ሃገራት ካብን ናብን ኣብ ዝገብርኦ በረራ ነፈርቲ ዝኾነ ይኹን ኣፅዋር ከይፅዕና ዘገድድ እንትኸዉን ሩስያ ብተደጋጋሚ ከምዝጠሓሰት እያ ኣሜሪካ ከሲሳ ዘላ።

ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሃገሮም እቲ ስምምዕ እናኽበረት ከምዝመፀት ብምግላፅ ካልኦት ሃገራት ንሕጊ እቲ ስምምዕ ተገዛእቲ ብዘይምዃነን ዓርሳ ክተግልል እያ ኢሎም።

ብመሰረት ሕገ ደንቢ እቲ ስምምዕ ኣሜሪካ ዓርሳ ንምግላል ድማ 6 ኣዋርሕ ክዉድአላ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

እታ ሃገር ብዶናልድ ትራም ካብ እትምራሕ ንነዘ ዓለም ለኸ ቁፅፅር ኣፅዋር ኒኩሌር ሓዊሱ ካብ ብዙሓት ስምምዓት ዓርሳ ከምዘግለለት ፀብፃብ BBC የመላኽት።