ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ዋጋ ነዳዲ ብዘለዎ ተመን ዋጋ ክቕፅል እዩ-ሚኒስትር ንግድን ኢንዳስተሪን

መቐለ 02 ግንቦት 2012(ድወት) ነዳዲ ኣውሮፕላን ሓዊሱ ካልኦት ምህርታት ነዳዲ ብዘለዎ ዋጋ ከም ዝቕፅል ሚኒስትር ንግድን ኢንዳስትሪን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ኣውሮፕላን ሓዊሱ ካልኦት ምህርታት ነዳዲ ብዘለዎ ክሳብ 30 ግንቦት 2012 ዓ/ም ንክቕፅል ውሳነ ከም ዝተወሰነ ሚኒስትር ንግድን ኢንዳስተሪን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ ዕዳጋ ዓለም ንዝህሉ ዋጋ ነዳዲ መበገሲ ብምግባር ከም ኣድላይነቱ መስተኻኸሊ ክገብር ከም ዝኽእል ድማ እቲ ሚኒስትር ኣገንዚቡ እዩ።