ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኬንያ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ሺሊንግ ንምንቅቓሕ ምህርቲ ቡን መዲባ

መቐለ 15 ሚያዝያ 2012(ድወት) መንግስቲ ኬንያ ምህርቲ ቡን እታ ሃገር ንምንቅቓሕ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ሽሊንግ ኬንያ ከምዝመደበ ኣፍሊጡ።

እቲ በጀት ብዋናነት ተግባራዊ ዝኸውን 70 ሚኢታዊ ምህርቲ ቡን ኬንያ ኣብ ዘቕርቡ 8ተ ከባቢታት እታ ሃገር ምዃኑ ድማ ተሓቢሩ።

እቲ ዝተመደበ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ሽሊንግ ኬንያ ካብ ባንኪ ዓለምን መንግስቲ እታ ሃገርን ብዝተረኸበ ወፃኢ ዝሽፈን ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ ኣሎ።

እዚ ድማ መንግስቲ ኬንያ እናነከየ ንዘመፀ ምህርቲ ቡን እታ ሃገር ንምምሕያሽን ኣፍረይቲ ምህርቲ ቡን ሓረስቶት ኬንያ ብስልጠና፣ ብሓገዝ ገንዘብ፣ ምቕራብ ሙሩፅ ዘርኢ፣ ኣገልግሎት ኤክስቴንሽን ዓቕሚ መፍረይቲ ትካላት ምህርቲ ቡን ንምዕባይን እዩ።

ኬንያ በቢዓመቱ 40 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ምህርቲ ቡን እተፍሪ ሃገር እንትትከውን እዚ ምህርቲ ናብ 100 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ንምዕባይ ትሰርሕ ከም ዘላ ድማ ድረ-ገፅ ካፒታል ኣመልኪቱ።