ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኣብ ከተማ ጊንጪ ኣብ ዝርከብ መደብር ፖሊስ መጥቃዕቲ ቦምብ ተፈፂሙ…

መቐለ 18 ለካቲት 2012(ድወት) ኣብ ከተማ ጊንጪ ኣብ ዝርከብ መደብር ፖሊስ መጥቃዕቲ ቦምብ ከምዝበፅሐ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።

እቲ ፍፃመ ትማሊ ምሸት ከባቢ ስዓት 2 ከምዝተፈፀመ ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ጌታቸው ባልቻ ገሊፆም።

እቲ ቦምብ ክድርበ ከሎ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ብትኪ ናይ ምዕፋን ቐሊል ጉድኣት እምበር ከቢድ ጉድኣት ከምዘይበፅሖም ኣይተ ጌታቸው ወሲኾም ሓቢሮም።

እቲ መጥቃዕቲ ፈፂሞም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 6 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝውዓሉ እውን ተሓቢሩ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ተሳቲፎም ብዝብል ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ መንነት እቶም ውልቐ ሰባት ክሳብ ሕዚ ብዝተገበረ ምርመራ ከምዘይተፈለጠ እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም ከም ፀብፃብ EBC።